Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ መላኩ ኣለበልን ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ዘፈር ምፍራይ ዝተዋፈሩ ኢንዱስትሪታት ቻይና ተዓዚቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣይተ መላኩ ኣለበልን ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያን ዣኦ ዡዩአን ኣብ ዘፈር ምፍራይ ዝተዋፈሩ ኢንዱስትሪታት ቻይና ተዓዚቦም።

እቲ ዑደት÷ ኢንዱስትሪታት እናገጠሙዎመወ ዝርከቡ ፀገማት ብኣካል ብምዕዛብ ማሕለኻታት ንምፍላይ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ዘለዉ ምስፋሕን ፅቡቓት ዕድላት ንምርኣይን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ክልተኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ብዓውዲ ምፍራይ ምጥንኻር ካሊእ ዕላማ እቲ ዑደት ከምዝኾነ እውን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እቶም ኢንዱስትሪታት ዘጋጥሙዎም ማሕለኻታትንምፍታሕ ድሕሪ እቲ ዑደት ኣብ ዝግበር ልዝብ ናይ መፍትሒ ኣንፈት ከምዝቕመጥ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.