Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ዝተኸሰስዎ ገበን ክሲ ኣብ መጋባእያ ንምንባብ ተለዋጢ ቆፀሮ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ዝተኸሰስዎ ገበን “ሕገ መንግስቲ ንምፍራስ ብምሕሳብ ዝተፈላለዩ ንሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ዝፃረሩ ሰነዳት ሽግግር ብምስንዳእ” ዝብል ክሲ ኣብ መጋባእያ ንምንባብ ተለዋጢ ቆፀሮ ተዋሂቡ።

ስለዝኾነ እቶም ተኸሳሲ ሎሚ ንጎሆ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኦሮሚያ ቀሪቦም።

ኣይተ ልደቱ ብዝተኸሰስሉ ኣብ 1996 ዝወፅአ ሕጊ ገበን ዓንቀፅ 238 ንኡስ ዓንቀፅ 1ን 256 ብምትሕልላፍ ሕገ መንግስቲ ንምፍራስ ብምሕሳብ ዝተፈላለዩ ነቲ ሕገ መንግስቲ ዝፃረሩ ሰነዳት ሽግግር ብምስንዳእ ገበን ክሲ ኣብ መጋባእያ ንምንባብ ኢዩ ንሎሚ መዓልቲ ቆፀሮ ተዋሂቡዎም ነይሩ።

ይኹን እንበር “ሎሚ መዓልቲ ጠበቓታተይ ብዘይምርካቦም እቶም ጠበቓታት ኣብ ዘለውሉ ይነበበለይ” ብምባሎም ተለዋጢ ቆፀሮ ተዋሂቡዎም።

ኣይተ ልደቱ ቅድመ ሐዚ ብዝተኸሰስሉ ዘይሕጋዊ መሳርሒ ኲናት ሒዞም ብምርካቦም ዝብል ገበን ንፅባሕ ተለዋጢ ቆፀሮ ከምዝተውሃቦም ይዝከር።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.