Fana: At a Speed of Life!

ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ ብምትሕብባር ከምትሰርሕ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ ብምትሕብባር ንምስራሕ ድልውቲ ምኳና ገሊፃ፡፡

ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ምስ ኣምባሳደር ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ኦሊቪያ ሌስሊ ተዛቲየን፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ማሕበራዊ ሓለዋን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምብቃዕን እናገበረቶ ትርከብ ሓገዝ እተን ሚኒስተር ንኢደን፡፡

እዚ ምትሕብባር ተጠናኪሩ ንኽቕፅል ምሕታተን ካብቲ ሚኒስቴር ዝተረከበ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

ኣምባሳደር ኣየርላንድ ብወገነን ተረባሕነት ኢኮኖሚ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ምርግጋፅ ብዝዘለለ ፆታ መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕቲታት ንምኽልኻል ኢትዮጵያ እናካየደቶ ዘላ ፃዕሪ ሃገገረን ከምትድግፍ ኣረጋጊፀን፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.