Fana: At a Speed of Life!

ኣውስትራሊያ ክታበት ኮቪድ-19 ንምክያድ ዘኽእል ምርምር ንምግባር ዝዓለመ 66 ሚሊየን ዶላር በጂታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣውስትራሊያ ክታበት ኮቪድ-19 ንምክያድ ዘኽእል ምርምር ንምግባር ዝዓለመ 66 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝመደበት ኣፍሊጣ።

እቲ ባጀት፥ ክታበት ንምርካብ፣ መድሓኒት ፀረ ቫይረስ ንምርካብ፣ ኣብ ሕክምና መተንፈሲ ኣካላት ንዝግበር ምርምራት ከምኡ ድማ ንምሕደራ ስርዓት ጥዕና ዝውዕል እዩ ክብሉ ሚኒስትር ጥዕና እታ ሃገር ግሬግ ሃንት ገሊፆም።

እዚ ገንዘብ ህይወት ንምድሓንን ንምሕላውን ዓሊሙ ኢዩ ተሰሊዑ ዘሎ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ እዚ ድማ ኣካል ነቲ ለበዳ ናይ ምቁፅፃርን ምንካይን መስርሕ እዩ ኢሎም።

ኣብ ኣውስትራሊያ ኣስታት 7 ሺሕን 200 ሰባት ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ እንትኾኑ፥ 102 ድማ ብሰንኪ እቲ ሕማም ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.