ኣዋጅ ታክስ ንብረት ፀዲቑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘካየዶ መበል 15 ስሩዕ ጉባኤ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝርከባ ከተማታት ተፈፃሚ ዝኸውን ኣዋጅ ትክስ ንብረት ብኣርባዕተ ተቓውሞ ብዓሰርተ ድምፀ ተኣቅቦን ብኣብዝሓ ድምፂን ኣፅዲቑ።
ታክስ ንብረት ፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍቲ ንምዕሳል፣ ኣገልግሎት ብዝሐሸ ፅሬት ንምቕራብን ምምሕያሻት መሰረተ ልምዓት ቀፃሊ ብዝኾነ መልክዑ ንምትግባር ዝወፅእ ናይ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብምኽንያት ምውሳኽ ዋጋ ንብረት ብዝግበር ታክስ ኣቢሉ ንምእካብ ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡
እቲ ዝፀደቐ ኣዋጅ ኣብ መላ ሃገር ኣብ ዝርከባ ከተማታ ተፈፃሚ ዝግበር እንትኸውን÷ ክልላት እቲ ኣዋጅ መሰረት ብምግባር ምስ ጭቡጥ ኩነታት ብምጥዕዓም ነናይ ባዕለን ሕጊ ትክስ ንብረት ንኸውፅኣ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።
ኣብ ቀፃሊ ከተማታት ካብ ዝእክበኦ ኣታዊ ታክስ ንብረት ሓደ ከምዝኾነ፤ እቲ ኣዋጅ ዝሐሸ ለውጢ ከምዝፅእ ከምዝኽእል ተሓቢሩ፡፡
ብየሻምበል ምህረትን ኣሸናፊ ሽብሩን