Fana: At a Speed of Life!

ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ሽፋን ብምግባር ገበን ግዕዝይና ፈፂሞም ኣብ ዝተብሃሉ 7 ኣባላት ፖሊስ ክሲ ተመስሪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ሽፋን ብምግባር ግቡእ ዘይኮነ ሃፍቲ ንውልቆ፣ ንምርካብን ካልኦት ንክረኽቡ ብምሕሳብን ገበን ግዕዝይና ፈፂሞም ኣብ ዝተብሃሉ 7 ኣባላት ፖሊስ ክሲ ከምዝመስረተ ሚኒስቴር ፍትሒ ኣፍሊጡ።

ኣባልነት ፖሊስ ሽፋን ብምግባር ምረርመራ ናይ ምግባርን ውልቀ ተበደልቲ ናይ ምሓዝ ብፀሒት ስራሕ እንተይሃለዎምን ዝኾነ ይኹን ትእዛዝ እንተይተውሃቦም ብእዋናዊ ጉዳይ ብሕጊ ትድለ ኢኻ፤ ካብ ትእሰር ገንዘብ ሃበና  ኢሎም ዝሓተቱ ኣባላት ፖሊስ ፌዴራልን ኣዲስ ኣበባን ክስሪ ከምዝመስረተ ኢዩ ገሊጹ ዘሎ።

ኣርባዕተ ኣባላት ፖሊስ ፌዴራል 260 ሺሕ ብር ተቐቢሎም ከምዝተኸፋፈሉ ከምዝተረጋገፀ ዝገለፀ እቲ ሚኒስቴር፥ 70 ሺሕ ኣብ ልዕሊ ዝተቐበሉ ሰለስተ ኣባላት ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዓቃቢ ሕጊ ብዝተፈላለዩ መዛግብቲ ክሲ መስሪቱ ኣብ ከይዲ ክትዕ ቤት ፍርዲ ከምዝርከብ እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

ኣካላት ፀፅታ ዝተውሃቦም ሓላፍነት ብዝተማለአን ጥቡቕ ብዝኾነ ፖሊሳዊ ስነ-ምግባርን ንኽዋፅኡ፤ ሕብረተሰብ እውን ከምዚ ዓይነት ዘይሕጋዊ ተግባራት እንትዕዘብ ንኣካላት ፀፅታ ሓበሬታ ከፍልጥ ከምዝግባእ ተሓቢሩ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.