Fana: At a Speed of Life!

ኣወዳድባ እቲ ሚኒስቴር ጂኦፖለቲካዊ ጉዳያት ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኾነ ሚኒሰስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓዱሽ ኣወዳድባን  ስራሕቲ ለውጢን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዓለም ለኻዊን ጂኦፖለቲካዊ ከባቢያዊ ጉዳያትን ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኾነ እቲ ሚኒሰስቴር ኣፍሊጡ።

እቲ ኣወዳድባ ወፃኢ ብምንካይ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ንምስራሕ ትኹረት ዝገበረ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

እቲ ትካል ውፅኢታዊ ንምግባር ዘኽእል ስራሕቲ ለውጢ ከምዝተሰርሐ፤ ኣብቲ ሚኒስቴር ዳይሬክተር ጀነራል ጉዳያት ኣፍሪካን መተሓባበሪ ኮሚቴ ለውጢ እቲ ትካልን ኣክሊሉ ከበደ ገሊፆም።

ዝተኻየደ ስራሕቲ ለውጢ ዝተሓሰበ ሽቶ ንኽወቅዕን ቀፃሊ ኣንፈት እቲ ሚኒስቴር ንምንባርን ፍኖተ ካርታ ዲፕሎማሲ ዘርኢ ዝርዝር መፅናዕቲ ከምዝተኻየደ ኣብሪሆም፡፡

ስራሕቲ ለውጢ እቲ ትካል ብቀንዱ ኣብ ኣሰራርሓ፣ ሕጊ፣ ምምሕያሽ ኣወዳድባን ባህሊ ህንፀት ትካልን ኣተኲሩ ተሳሊጡ ኢዩ እውን ኢሎም፡፡

ምስ መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት እዛ ሃገር ዝተጠዓዓመን ነቲ ሃገራዊ ትልሚ ከፈፅም ብዝኽእል መልክዑ ብብርኪ ትካል ተተሊሙ ከምዝተዳለወ ተዛሪቦም።

ለውጢ ኣወዳድባ እቱ ትካል ብዋናነት ተቐያያሪ ዓለም ለኻዊን ፖለቲካዊ ከባቢያዊ ጉዳያትን ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ምስ ትግራይ ብዝዝዛመድ ዝመፅአ ናይ ወፃኢ ፅዕንቶን ፀገምን ስዒቡ ክመፅእ ዝኽእል ኢኮኖሚያዊ ፀገማት ንምብዳህ ብዘኽእል መልክዑ ተኻይዱ ኢዩ ኢሎም።

ለበዳ ቫይረስኮሮና ዘስዓቦ ፅዕንቶ ኢኮኖሚ ንምምካት ካብ ዋና ቤት ዕዮ ጀሚሩ ክሳብ ሚሲዮናት ኩለ መዳይ ኣወዳድባ ከምዝተሰርሐ ሓቢሮም።

እቲ መመሓየሺ ኣወዳድባ እቲ ቤት ዕዮ ብብቕዓት ንምፍፃም፣ ወፃኢ ንምቕናስን ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ንምጥንኻርን ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።

ብመሰረት እቲ ኣወዳድባ ኣብ ውሱናት ሃገራት ዝተዓፀዉ ሚሲዮናት ካብ ዋና ቤት ዕዮ ወይ ከዓ መቐመጢኦም ኣብ ካልኦት ሃገራት ምስ ዝገበሩ ኤምባሲታት ክስርሑ ኢዮም።

ሓዱሽ ኣወዳድባ ወፃኢ ብምቕናስ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ንምስራሕ ትኹረት ዝገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ሰራሕተኛታት እቲ ትካል፣ ዲፕሎማታትን ሰራሕተኛታት ተፀዋዕቲ ትካላትን ስልጠና ይወስዱ ከምዘለዉ ተዛሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.