Fana: At a Speed of Life!

ኣወሃህባ ኣገልግሎትን ስርዓት ኣሰራርሓን ንምምሕያሽ ጠመተ ሂብና ክንሰርሕ ኢና- ከንቲባ ኣዳነች

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣወሃህባ ኣገልግሎትን ስርዓት ኣሰራርሓን ንምምሕያሽ ጠመተ ሂብና ክንሰርሕ ኢና ክብላ  ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ስራሕቲ ኣተኣኸኽባ ግብሪ 2016 ዓ.ም ብዓወት ዛዚምና ኣብ 2017 ዓ.ም ንምእካብ ዝተትሓዘ ትልሚ ኣታዊ ብሓባር ንምፍፃም ዘኽእል መርሃ ግብሪ ጎስጓስ ሎሚ ንጎሆ ኣካይድና ኢለን።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ምእካብ ኣታዊ 2016 ዓ.ም ንዝተሳተፉን ውፅኢታዊ ንክኸወን ግደ ዝነበሮምን ኩሎም አመስጊነነ።

ኣብ 2017 ዓ.ም ንክእከብ ንዝተትሓዘ ኣታዊ 230 ቢሊየን ብር ንክዕወት እውን ሓደራ ኢለን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.