Fana: At a Speed of Life!

ኣንጎላ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ምስ ኢትዮጵያ ብሓባር ክትሰርሕ ከምትደሊ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ምስ ኢትዮጵያ ብሓባር ክሰርሑ ከምትደልዩ ፕሬዚዳንት ኣንጎላ ጆኣዎ ማኑዌል ጎንካልቬስ ሎሬንኮ ገሊፆም፡፡

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣንጎላ ፍርቱና ዲበኩ ደብዳበ ሽመተን ንፕሬዚዳንት ኣንጎላ ጆኣዎ ማኑዌል ጎንካልቬስ ሎሬንኮ ኣቕሪበን።

ኣብቲ እዋን ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲታት ንግዲ፣ ሕርሻ፣ ቱሪዝምን ኢንቨስትመንት ምስ ሪፐብሊክ ኣንጎላ ብቐረባ ክትሰርሕ ከምትደሊ ኣምባሳደር ፍርቱና ገሊፀን።

ፕሬዚዳንት ጆኣዎ ማኑዌል ጎንካልቬስ ሎሬንኮ ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር ኣበ ዓውዲ ሕርሻ ልዑል ውፅኢት እናመዝገበት ከምትርከብ ኣሊዒሎም፡፡

ኣንጎላ እውን ምስ ኢትዮጵያ ብሓባር ክትሰርሕ ከምትደሊ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.