Fana: At a Speed of Life!

ኣንቶኒ ብሊንከን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ትማሊ ምሸት ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ኣቀባብላ ገይሮምሎም፡፡

ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰላም ንምዕሳል ዝተወሰዱ ስጉምቲታትን ስምምዕነት ምቁራፅ ኲናት ስዒቡ ብዛዕባ ኣፈፃፅመኦም ከምዝዝትዩ ትፅቢት ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ምስ መሓዙት ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን ኣካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ብምዝርራብ ብዛዕባ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ውሕስና ምግቢን ሰብኣዊ መሰላትን ክዛተዩ ኢዮም ተባሂሉ።

ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት እውን ኣሎ።

ኣንቶኒ ብሊንከን ካብ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ኣብ ኒጀር ዑደት ስራሕ ክገብሩ ኢዮም፡፡

ብበረከት ተካልኝ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.