Fana: At a Speed of Life!

ኣንቶኒዮ ጉተሬስ ኣብ ማያንማር ዝተኻየደ ዕልዋ ክፈሽል ፀዊዖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተሬስ ኣብ ማያንማር ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ክፈሽል ንማሕበረሰብ ዓለም ፀዊዖም።

ውፅኢት መረፃ ምቕያር ቅቡልነት የብሉን ዝበሉ እቶም ዋና ፀሓፊ፥ እቶም ዕልዋ ዘካየዱ መራሕቲ’ውን ሃገር በዚ መገዲ ክትምራሕ ከም ዘይትኽእል ክፈልጡ ኣለዎም ከብሉ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ናብ ንቡር ክምለስ ኣለዎ ኢሎም።

“እዚ ዕልዋ መንግስቲ ዝፈሸለ ምዃኑ ንምርግጋፅ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ማያንማር እኹል ፀቕጢ ንክገብር ዝከኣለና ክንፅዕር ኢና ክብሉ ድማ ገሊፆም።

ብዙሓት ሃገራት ምዕራብ ነቲ ፍፃመ እኳ እንተኾነንኦ ኣብ ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ድምፂ ብድምፂ ናይ ምስዓር ስልጣን ዘለዋ ቻይና ግን እቲ ንማያንማር ንምኹናን ዝግበር ዘሎ መግለፂ ኣይተቐበለቶን።

እታ ሃገር ዓለምለኻዊ ፀቕጢ ከይበፅሓ ንዓመታት ዝተኸላኸለት ቻይና፥ ሐዚ’ውን እገዳ ወይ’ውን ዓለምለኻዊ ፀቕጢ ነቲ ኩነታት ከጋድዶ’ዩ ትብል።

ቻይናን ሩሲያን ብሓባር ኮይነን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሙስሊም ሮሂንጊያ ብዝበፅሐ ግፍዒ ማያንማር ንከይትውቀስ ብተደጋጋሚ ክከላኸላ ምፅንሐን ይዝከር።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.