Fana: At a Speed of Life!

ኣኒ ኣይተ ጃዋር መሓመድ መዝገቦም ዝሓዘ ዳይና ንኽለዓለሎም ስምዕታ ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓቃቢ ሕጊ ኣብ እኒ ጃዋር መሓመድ መዝገብ መሰኻኽር ምስማዕ ጀሚሩ ዝነበረ ይኹን እምበር ኣኒ ኣይተ ጃዋር መሓመድ መዝገቦም ዝሓዘ ዳይና ካብ መዝገቦም ንኽለዓለሎም ስምዕታ ኣቕሪቦም።

እቲ መጋባእያ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምድብ መጋባእያ ኣራዳ ኣብ ኣዳራሽ ልደታ ምስማዕ ተጀሚሩ ነይሩ።

ይኹን እምበር፤ እኒ ኣይተ ጃዋር ዳይና “ጉዳይና ዘይሻራዊ ኮይኑ ዘይክምልከተልና ስለዝኽእል ካብ መዝገብና ይለዓለልና” ክብሉ በዓል 7 ገፅ ስምዕታ ኣቕሪቦም።

ቤት ፍርዲ እውን ጉዳዮም ተመልኪቱ መዝገብ ዳይና ኽምርምርን ኣብቲ መዝገብ ትእዛዝ ካሳብ ዝህብ ተጠርጠርቲ ኣብ ቤት ህንፅት ንኽፀንሑን ከምኡ እውን መፀውዒ እንትበፅም ንኽመፅ ብምባል ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

መዝቡ ናብ መዝገብ ቤት ንኽምለስ እውን ኣዚዙ።

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ቅድሚ ሕዚ ኣብቲ መዝገብ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ተጠርጠርቲ ዝምስክረ ሓሙሽተ ማሰኻኽር ኣብ ድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም ናይ ምስክርነት ቃሎም ንኽህቡ ክብል ስምምዕታ ምቕራቡ ይዝከር።

ቤት ፍርዲ እውን ሓሙሽቲኦም መሰኻኽር ኣብ ድሕሪት መጃረጃ ኮይኖም ንኽምስክሩ ብይን ሂቡ ምንባሩ ዝፍለጥ ኢዩ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.