Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ እትሳተፈሉ ውድድር ፍፃመ 5 ሽሕ ሜትሮ ሎሚ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2016(ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ እትሳተፈሉ ውድድር ፍፃመ 5 ሽሕ ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ሎሚ መዓልቲ ክካየድ ኢዩ።

ኣብቲ ሰዓት 4፡10 ዝጅምር ውድድር፥ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ጉዳፍ ፀጋይ፣ እጅጋየሁ ታዬን መዲና ኢሳን ክሳተፋ ኢየን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተገበረ ውድድር ምፅራይ፥ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ሓምሻይ ደረጃ፣ ኣትሌት እጅጋየሁ ታዬ ሻድሻይ፣ ኣትሌት መዲና ኢሳ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ናብ ፍፃመ ምሕላፈን ይዝከር።

ከምኡውን፥ ሎሚ ምሸት ሰዓት 4፡47 ኣብ ዝካየድ ውድድር ፍፃመ 800 ሜትሮ ኣትሌት ፅጌ ዱጉማን ወርቅነሽ መለሰን ልዑል ትፅቢት ዝግበረለን ኢየን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.