Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ዳዊት ስዩም ኣብ ውድድር ዳይመንድ ሊግ 5 ሺሕ ሜትሮ ቀዳመይቲ ብምዃን ውድድራ ዛዚማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኦስሎ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ክልቲኡ ፆታ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብዓብላላይነት ውድድሮም ዛዚሞም።

ብደቂ ኣኒስቲዮ ምድብ ኣብ ዝተኸየደ ውድድር ዳይመንድ ሊግ 5 ሺሕ ሜትሮ ኣትሌት ዳዊት ስዩም ቀዳመይቲ ብምዃን ውድድራ ዛዚማ።

ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይን ለተሰንበት ግደይን ድማ ብቕደም ሰዓብ ከልኣይን ሳልሳይ ብምዃን ውድድረን ምዝዛመን ተገሊፁ።

ብተመሳሳሊ ብደቂ ተባዕቲዮ ውድድር ዳይመንድ ሊግ 5 ሺሕ ሜትሮ ጥላሁን ሃይሌ፣ ሳሙኤል ተፈራን ጌትነት ዋሌን ብቕደም ሰዓብ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ኣትዮም።

ብተወሳኺ ኣብቲ ምድብ ኣትሌት ሚልኬሳ መንገሻ ሓምሻይ፣ ዓሊ ዓብዱልመናን ዓስራይ ብምዃን ውድድሮም ምዝዛሞም ካብ ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.