ኣትሌት ኣልማዝ ኣያና ናብ ዓለም ለኸ ውድድር ተመሊሳ
ኣዲሰ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ) በዓልቲ ዋና ክብረ ወሰን 10 ሺሕ ሚትሮ ኣትሌት ኣልማዝ ኣያና ናብ ዓለም ለኸ ውድድር ተመሊሳ።
ኣብ ሪዮ ኦሊምፒክ ብራዚል በዓልቲ ዋና ክብረ ወሰን 10 ሺሕ ሚትሮ ኣትሌት ኣልማዝ ኣያና ካብ ጉድኣት እግሪን ወሊደን ብምምላስ ዳግማይ ናብ ውድድር ተመሊሳ።
ኣትሌት ኣልማዝ ኣያና ትማሊ ኣብ ስፔን ኣብ ዝተገበረ ፈርቂ ማራቶን 1 ሰዓትን 8 ደቓይቕን 22 ሰኮንድን ብምእታው መበል ሓምሻይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድራ ዛዚማ።
ኣትሌት ቤተልሄም ኣፈንጉስ ድማ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድራ ከመዝዛዘመት ተገሊፁ።
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።