Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ኣለሽኝ ባወቀ ኣብ ውድድር 3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ንሃገራ ሜዳሊያ ወርቂ ኣምፂኣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ኣለሽኝ ባወቀ ኣብ ፔሩ ሊማ ይካየድ ኣብ ዘሎ ዓለም ለኸ ውድድር ሻምፒዮና  ትሕቲ 20 ዓመት 3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ንሃገራ ሜዳሊያ ወርቂ ኣምፂኣ።

ኣትሌት ኣለሽኝ ነቲ ርሕቐት ብ8:50.32 ብምዝዛም ኢያ ቀዳመይቲ ብምዃን ተዓዊታ።

ብመሰረት እዚ ንሃገራ መበል ራብዓይ ሜዳሊያ ወርቂ ምምዝጋብ ክኢላ ኣላ።

ኣትሌት ማርታ ኣለማየሁ ድማ ኣብቲ ውድድር መበል ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ሜዳሊያ ነሓስ ተዓዊታ።

ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ኣብቲ ሻምፒዮና፥ 4 ወርቂ፣ 2 ብሩርን ሓደ ነሓስን ብምእካብ ቀዳመይቲ ኮይኑ ትመርሕ ኣላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.