Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለን ጥሩነሺ ዲባባን ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብዛ ዕለት …

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኩርዓት ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ኣብ ሻምፒዮና ሃገር ኣቋራፂ ዓለም ብሓፂርን ነዊሕን ርሕቐት ከምኡ እውን ኣትሌት ጥሩነሺ ዲባባ ኣብ ውድድር ሰገናትን በፃሓትን ብሓደ ግዘ ብምስዓር ቅድሚ 20 ዓመታት ከምዛ ሎሚ መዓልቲ ድሙ ታሪኽ ፅሒፎም፡፡

ኣትሌት ቀነኒሳ ኣብ ሻምፒዮና ሃገር ኣቋራፂ ዓለም ብሓፂርን ነዊሕን ርሕቐት ዝተዓወተ ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብዛ ዕለት እንትኸውን፤ በዚ ድማ ንተኸታተልቲ ኣርባዕተ ዓመታት ብምስዓር ብሕታዊ ኣትሌት ክኸውን ክኢሉ ኢዩ፡፡

ኣብቲ ሻምፒዮና ብዓውዲ ውድድር ሓፂር ርሕቐት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2006 ጀሚሩ ብምስራዙ ኣትሌት ቀነኒሳ ቅድም ኢሉ ዝፀሓፎ ድሙቕ ታሪኽ ብማንም ኣይተደገመን፡፡

እቲ ኣትሌት ካብዞም ውድድራት ብተወሳኺ ኣብ ብዙሓት ውድድራት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያ ክብ ከብል ዝኸኣለ ጅግና ኢዩ፡፡

ብካሊእ መዳይ ኣትሌት ጥሩነሽ ዲባባ ብተመሳሳሊ ውድድር ኣብ ውድድር ሰገናትን በፃሓትን ብሓደ ግዘ ብምዕዋት ቅድሚ 20 ዓመታት ፈላመይቲን ናይ መወዳእታን ዝገበራ ታሪኽ ኣብዛ ዕለት ክትፅሕፍ ክኢላ ኢያ፡፡

እታ ኣትሌት ኣብቲ እዋን ውድድር ሰገናትን በፃሓትን እንትትዕወት ጓል 19 ዓመት ሰገን ከምዝነበረት ዘዘኻኸረ ኣትሌቲክስ ዓለም ኢዩ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.