Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ሲምቦ ኣለማየሁ ብደቂ ኣንስትዮ 3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ወርቂ ኣምፂኣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፔሩ ሊማ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣትሌት ሲምቦ ኣለማየሁ ብደቂ ኣንስትዮ 3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ወርቂ ኣምፂኣ።

ኣትሌት ሲምቦ ብ9 ደቒቕ 12 ሰከንድን 71 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ክብረወሰን እቲ ሻምፒዮና ብምስባር ኢያ ክትዕወት ክኢላ ዘላ፡፡

ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፈት ኣትሌት ፍረህይወት ገሰሰ ብ9 ደቒቕ 34 ሰከንድን 50 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ርብዐይቲ ብምውፃእ ውድድራ ዛዚማ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.