ኣትሌት ማሞ መንግስቱን አትሌት ዝናሽ ጋረደውን ውድድር ማራቶን ሻምበል ኣበበ ቢቂላ ተዓዊቶም፡፡
ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ማሞ መንግስቱን አትሌት ዝናሽ ጋረደውን ኣብ ከተማ ባህርዳር ዝተኻየደ መበል 38 ውድድር ማራቶን ሻምበል ኣበበ ቢቂላ ተዓዊቶም፡፡
ኣብቲ ውድድር ሚኒስትር ዴኤታ ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር መስፍን ቸርነትን ተቀዳሚ ከንቲባ ከተማ ባህርዳር ዶክተር ድረስ ሳህሉ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም፡፡
ብደቂ ተባዕትዮ ውድድር ማራቶን ኣትሌት ማሞ መንግስቱ ካብ ፖሊስ ኦሮሚያ ቀዳማይ ኮይኑ ዛዚሙ፡፡
ኣትሌታት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝኾናኑ ፅዳት አበጀን ኣሰፋ ተፈራን ብቅደም ሰዓብ ነቲ ውድድር ብኻልኣይን ሳልሳይን ዛዚሞም፡፡
ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣትሌት ዝናሽ ጋረደው ካብ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ቀዳመይቲ ኮይና ዛዚማ፡፡
ኣያንቱ ገመቹ ካብ ፖሊስ ፌደራል ካልአይቲ ኮይና እንትዛዝም÷ ኣትሌት ብዙኣገር ኣደራ ካብ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ሳልሰይቲ ብምዃን ዛዚማ፡፡
ኣብቲ ውድድር ብክልቲኡ ፆታ ቀዳማይ ኮይኖም ንዝዛዘሙ ኣትሌታት ነንሕድሕዶም 50 ሺህ ብር ሽልማት ገንዘብ ተበርኪትሎም፡፡
ካልኣይ ንዝወፁ ኣትሌታት ነንሕድሕዶም ብር 25 ሺሕ፣ ሳልሳይ ኮይኖም ንዝዛዘሙ ድማ ብር 20 ሺህ ሽልማት ተዋሂብዎም፡፡
ኣብቲ ውድድር ክሳብ ሻምናይ ንዝወፅኡ ኣትሌታት ከከምደረጀኦም ሽልማት ገንዘብ ከምዝተበርከተሎም ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።