Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ኣብ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ሮም ብ5 ሽሕ ሜትሮ ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ኣብ መበል 13 ውድድር ዳይመንድ ሊግ ሮም 2024 ብ5 ሽሕ ሜትሮ ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቱ።

ኣትሌት ሓጎስ ገ/ህይወት ነቲ ርሕቐት ብ12 ደቒቓ 51 ሰከንድን 07 ማይክሮ ሰከንድን ብምዝዛም ኢዩ ተዓዊቱ።

ኣብቲ ውድድር ኣትሌታት ዮሚፍ ቀጀልቻን ሰለሞን ባረጋን ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዞም እንትዛዝሙ፥ ተዓዋቲ ሜዳሊያ ብሩር ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ድማ ሻድሻይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ዛዚሙ።

ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ድማ፥ ፍረወይኒ ሃይሉን በርቀይ ሓየሎምን ካልኣይን ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊተን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.