Fana: At a Speed of Life!

ኣቦታት ሃይማኖት በዓል ልደት እየሱስ ክርስቶስ ምኽኒያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣቦታት ሃይማኖት በዓል ልደት እየሱስ ክርስቶስ ዓመተ 2013 ምኽኒያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

እቶም ኣቦታት፥ ምውላድ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ደቂ ሰባትን ዝነበረ መንደቕ ፅልኢ ብምፍራስ ሰላምን ፍቕሪን ዝተመስረተሉ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ህዝበ ክርስቲያን እቲ በዓል ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝ ብሓባር ንከኽብሮ እውን መልእኽቶም ኣመሓላለፊም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘተኣማምን ሰላም ንክዓስል ፃዕሩ ንከጠናኽር እውን ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።

እቲ በዓል ናይ ሰላም፣ ሰነያን ንክኸውንን እቲ ምእመን ንዝረአ ዘሎ ጎንፂ፣ ሞት ዜጋታትን ምምዝባልን ንምውጋድ ብፅሒቱ ክዋፃእ ሓቲቶም።

ብኣዳነ በፍቃዱ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.