Fana: At a Speed of Life!

ኣብ 76 ወረዳታት ትግራይ ካብ 9 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ዝተዋደደ ወፍሪ ክታበት ክወሃብ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 76 ወረዳታት ክልል ትግራይ ካብ 9 ክሳብ 18 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ዝተዋደደ ወፍሪ ክታበት ከምዝወሃብ ተገሊፁ።

ነቲ ወፍሪ ክታበት ጠሚቱ ንመድረግቲ አካላት ስልጠና መዕበዪ ግንዛበ ተዋሂቡ።

ኣብቲ ስልጠና መዕበዪ ግንዛበ ተረኺቦም መልእኽቶም ዘመሓላለፉ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልለ ትግራይ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ፥ ንዕውትነት ወፍሪ ኽታበት ዝተፈላለዩ ሕማማት ዝተዋደደ ርብርብ መድረግቲ ኣካላት ከም ዝጠልብ ገሊፆም።

ብምትሕብባር ሚኒስትር ጥዕና ፌዴራል፣ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ፣ ማሕበር እኖታት ንእኖታት፣ ትካል ውድብ ጥዕና ዓለምን ትካል ገባሪ ሰናይ ዩኒሴፍን ዝወሃብ ክታበት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ዶክተር ኣማኑኤል፥ ኣብ 76 ወረዳታት ካብ 9 ክሳብ 18 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ዝተዋደደ ወፍሪ ክታበት ክወሃብ እዩ ኢሎም።

ሕብረተሰብ ረብሓ ክታበት ተረዲኡ ንባዕሉን ውላዱን ከኽትብ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ፥ ሕማም ቫይረስ ኮሮና፣ መንሽሮ ኣፍደገ ማህፀንን ካልኦትን ዘካተተ ወፍሪ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብቲ እዋን ወፍሪ ስሩዕ ግልጋሎት ጥዕና ከይተኣጓጎል፣ ኣመራርሓን ሰብ ሞያ ጥዕናን ብትኹረት ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኣብቲ መድረኽ ኣካላት ኣመራርሓ ኣብያተ ዕዮ ክልል ትግራይ፣ ዞባ ፣ ወረዳ፣ ኣመራርሓ ጥምረት ትካላት ሃይማኖትን መድረግቲ ኣካላትን ዝተረኸቡ እንትኾኑ እቲ ወፍሪ ንምዕዋት ሓላፍነቶም ከምዝዋፅኡ ምርግጋፆም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.