Fana: At a Speed of Life!

ኣብ 5 ወረዳታት ክልል ዓፋር ሓደጋ ውሑጅ ንምክልኻል ዘኽእል ስራሕቲ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሓሙሽተ ወረዳታት ክልል ዓፋር ሓደጋ ውሑጅ ንምክልኻል ዘኽእል ስራሕቲ ይስራሕ ምህላዉ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ዱብቲ ግንዛበ መዕበይ ስራሕቲ ቅድመ ምክልኻል ሓደጋ ውሑጅ ብወለንታውያን መናእሰይ ይስራሕ ምህላው ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ሓቢሩ። ነቲ ከይፍጠር ስግኣት ዝተገበረሉ ሓደጋ ውሑጅ ንምክልኻል ዘኽእሉ ክልተ ሽሕ ሓሸዋ ዝመልኡ ጭረታት ከም ዝተዳለዉ እውን ተገሊፁ።

እቲ ስግኣት ሓደጋ ውሑጅ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከባ ወረዳታት ኣሚባራ፤ ኣሳጊታ፤ ዱብቲ፤ ጉሌቻን ወረዳ ገዋኔን የስግእ እዩ ተባሂሉ።

ካብተን ስግኣት ውሑጅ ዘንፀላለወለን ከባቢታት ነበርቲ ክልዓሉ ብምግባር ናብ ዝተዳለወሎም ከባቢታት እንትጓዓዙ ድማ ሓገዝ መግቢን ኣድለይቲ ነገራትን ከም ዝተገበረሎም ተፈሊጡ ኣሎ፡፡

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ምስ ዝምልከቶም መንግስታዊን ዓለምለኻውን ትካላት ብምውዳድ ቅድሚ ሓደጋ ምፍጣሩ ስርዓት መፅናዕቲ ሓደጋ ውሑጅ ንምዕባይ ኣብ ፈተነ ከም ዝርከብ ካብቲ ማሕበር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.