ኣብ 5 ኣዋርሕ 67 ከተማታት ተረባሕቲ ኣገልግሎት 4ጂ ኢንተርኔት መግባር ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ 5 ኣዋርሕ 67 ከተማታት ተረባሕቲ ኣገልግሎት 4ጂ ኢንተርኔት መግባር ከምዝተኽኣለ ኣፍሊጡ።
ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ወይዘሪት ፍሬህይወት ታምሩ፥ እቲ ትካል ዲጅታል ኢኮኖሚ ኣብዛ ሃገር ንምህናፅ ስትራቴጂ ብምቕራፅ ይሰርሕ ከምዘሎ ተዛሪበን።
ከተማ ደብረታቦርን ጎንደርን ኣገልግሎት 4ጂ ኢንተርኔት ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ምጥቃም ከመዝኽእላ አወን ተዛሪበን።
ብብርኪ ሃገር 103 ከተማታት ተረባሕቲ ኣገልግሎት 4ጂ ኢንተርኔት ንምግባር ተልሚ ከምዝተትሓዘ ብምግላፅ፥ ክሳብ ሐዚ 67 ከተማታት ተረባሕቲ ከምዝኾና ገሊፀን።
ብምናለ ኣየነው
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።