Fana: At a Speed of Life!

ኣብ 2017 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ 8 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንምምዝጋብ ክስራሕ ኢዩ – ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 2017 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ 8 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንምምዝጋብ ከምዝስራሕ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።

ስነ-ስርዓት መኽፈቲ 6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን 4ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ይካየድ ኣሎ፡፡

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ ሓዱሽ በጀት ዓመት ኣንፈት ስራሕ መንግስቲ ጠሚቶም ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ “ኣብ 2107 ንክሌማዊ ለውጢ ዘይብሳህ ዘፈር ሕርሻ ንምህናፅ ስራሕቲ ሜካናይዜሽን መስኖ ንኽጠናኸሩ ክግበር ኢዩ” ኢሎም፡፡

ምስ ቀረብ እታወት ዝተተሓሓዘ ብፍላይ ሸርፊ ወፃኢን ፀገም ልቓሕን ብዘላቕነት ንምፍታሕ ተግባራዊ ዝተገበረ ፖሊሲ ገንዘብ ውፅኢታዊነቱ ንምርግጋፅ ብትኹረት ከምዝስራሕ እውን ኣብሪሆም፡፡

“ኣብዚ በጀት ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ 8 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንምምዝጋብ ፃዕሪ ክግበር ኢዩ” ኢሎም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.