ኣብ 2016 ዓ.ም 8.1 ዕብየት ከምዝተመዝገበ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረቡሎም ሕቶታት መብርሂ ይህቡ ኣለዉ።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኘሬዘዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ 27 መሰከረም 2017 ዓ.ም ኣብ ሓበራዊ ኣኼባ ኣቢያተ ምኽሪ ፌዴሬሽንን ወከልቲ ህዝቢን ዘቕረብዎ መኽፈቲ መደረ ኣመልኪቱ ዝቐረበ ሞሽን ድጋፍ የድምፅ ኣሎ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ኣብ 2016 ዓ.ም 8.1 ዕብየት ኢኮኖሚ ከምዝተመዝገበ ገሊፆም።
ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ልምዓት ደኒ፣ ኣትክልትን ፍራምረን ከምኡውን ጥምር ግብርና ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ልዑል ውፅኢት ተመዝጊቡ ኢዩ ኢሎም።
እዚ ውፅኢት ብብርኪ ዓለም እንትረአ ልዑል ዓወት ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ሎሚ ዘበን እውን 8.4 ዓመታዊ ሓፈሻዊ ዕብየት ክምዝገብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ኣብሪሆም።
ብዓውዲታት እንትረአ፥ ግብርና 6.1 ሚኢታዊ እንትኸውን፥ 30 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብምሕራስ 1 ነጥቢ 4 ቢሊየን ኩንታል ምህርቲ ትፅቢት ከምዝግበር ኣብሪሆም።
ዓውዲ ኢንዱስትሪ 12.8 ሚኢታዊ ንክዓቢ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ብምግላፅ፥ ኣብዚ ዓመት ናይ ኢንዱስትሪታት ናይ ምፍራይ ዓቕሚ 67 ሚኢታዊ በፂሑ ከምዘሎ ከም መበገሲ ኣቕሪቦም።
ዓውዲ ኣገልግሎት 7.1 ዕብየት ትፅቢት ከምዝግበርን ነዚ ድማ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 124 ሓደሽቲ ነፈርቲ ንምዕዳግ ትእዛዝ ምሃቡ ነቲ ዓውዲ ልዑል ብፅሒት ከምዝህልዎ ተዛሪቦም።
እዞም ሰለስተ ዓውዲታት ተደሚሮም ኣብ ኢትዮጵያ ልዑል ውፅኢት ብምምዝጋብ፥ ከም ሃገር 8.4 ሚኢታዊ ዕብየት ክረጋገፅ ኢዩ ኢሎም።