Fana: At a Speed of Life!

ኣብ 2014 ዓ.ም ን5 ሚሊየን ዜጋታት ፅሩይ መስተ ማይ ከቕርብ ከምዝኸኣለ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 2014 ዓ.ም ን5 ሚሊየን ዜጋታት ፅሩይ መስተ ማይ ከቕርብ ከምዝኸኣለ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ገሊፁ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ትልሚ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ኣመልኪቱ ምስ ተፀዋዕቲ ትካላቱን ምስ ቢሮታት ማይን ኢነርጂን ክልላትን ኣብ ከተማ ባህርዳ ይዛተ ኣሎ፡፡

ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ ኣብቲ መድረኽ ከምዝገለፁዎ÷ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ን5 ሚሊየን ዜጋታት ፅሩይ መስተ ማይ ከቕርብ ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም።

ዕዉት ስራሕ እቲ ዓመት መበገሲ ብምግባ ኣብ ትልሚ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ብሓባር ብምስራሕ ዝበለፀ ውፅኢት ምምዝጋብ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ብሙሉጌታ ደሴ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.