ኣብ 2014 ዓ.ም መዐደጊ ናውቲታት ሕክምና ዝኸውን ልዕሊ 42 ቢሊየን ብር ወፃኢ ከምዝተገበረ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 2014 ዓ.ም ንመዐደጊ ናውቲታት ሕክምናን መድሓኒትን ዝኸውን ልዕሊ 42 ቢሊየን ብር ወፃኢ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።
ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ንግዲ ኢትዮጵያ ይናገር ደሴ፥ ኣብ መድረኽ ገምጋም ቆፀራ እታዎታት ሕክምናን ተረኺቦም ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ መንግስቲ ንኣቕርቦት መድሓኒት ፍሉይ ትኹረት ሂቡ ከምዝሰርሐ ተዛሪቦም።
እዚ ንምፍፃም ድማ ልዑል በጀት ሰኒዑ ኣደላዪ ደገፍ ከምዝገበረ ሓቢሮም።
ብብርኪ ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብምኽኒያት ዘጋጠሙ ፀገማት ሚኒስቴር ጥዕና ምስ ኣገልግሎት ኣቕራቢ መድሓኒት ኢትዮጵያ ብምኻን ልዑል ተግባር ምፍፃሞም ንኢዶም።
ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣገለግሎት ዶ/ር ዓብዱልቃድር ገልገሎ ብግደኦም፥ ድሕንነቶም ዝተረጋገፁ መድሓኒታተን ናውቲታት ሕክምናን ብመጠንን ተመጣጣኒ ዋጋን ንትካላት ጥዕና ኣብ ምቕራብ ዝተባባዕ ለውጢ ኣሎ ኢሎም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።