Fana: At a Speed of Life!

ኣብ 14 ውድድራት ኦሊምፒክ 58 ሜዳሊያታት ዝኣከበት – ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ኣብ ውድድር ኦሊምፒክ ዝተሳተፈት ኣብ 1956 ዓ.ም.ፈ ኣብ ኣውስትራሊያ ሜልቦርን ኣብ ዝተኻየደ መበል 16 ኦሊምፒክ ኢያ ተሳቲፋ።

እዚ ማለት እቲ ውድድር ኣብ 1896 ዓ.ም.ፈ ዝተጀመረ ዋላ ይኹን፥ ኢትዮጵያ ድሕሪ 60 ዓመታት ምስታፋ መረዳእታታት ይሕብሩ።

ድሕሪ እዚ ኣብ 14 ውድድራት ኦሊምፒክ ብምስታፍ 58 ሜዳሊያታት ኣኪባ ኢያ።

ኣብቲ ተሳትፎ፥ 23 ወርቂ፣ 12 ብሩርን 23 ነሓስን ብሓፈሻ 58 ሜዳሊያታት ብዓውዲ ኣትሌቲክስ ብ36 ኣትሌታት ኣቢላ ኢያ ኣኪባቶ።

ብምስንዳእ ፈረንሳይ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ዘሎ መበል 33 ኦሊምፒክ 2024 እውን ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትሳተፍ ኣላ።

ኣብቲ ውድድር ኢትዮጵያ ሓዊሱ 206 ሃገራት ዝሳተፋ እንትኾና፥ 10 ሺሕን 500 ስፖርተኛታት ብ32 ዓይነታት ስፖርት ክወዳደራ ኢየን ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኢትዮጵያ ድማ ብኣትሌቲክስስ ምሕምባስ ማይን ስፖርትታት  38 ስፖርተኛታት ክተሳትፍ ኢያ።

ቀነኒሳ በቀለ፣ ሰለሞን ባረጋን በሪሁ ኣረጋዊን ብደቂ ተባዕቲዮ፥ ጉዳፍ ፀጋይ፣ ትእግስት ኣሰፋናን ፅጌ ዱጉማን ብደቂ ኣኒስቲዮ ወኪሎም ካብ ዝሳተፉ ኣትሌታት ተረቋሕቲ ኢዮም።

ንኢትዮጵያ ፅቡቕ ዕድል!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.