ኣብ 11 ኣዋርሕ ልዕሊ 3 ነጥቢ 1 ቢሊየን ብር ዝግመቱ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ኣብ 11 ኣዋርሕ ልዕሊ 3 ነጥቢ 1 ቢሊየን ብር ዝግመቱ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ።
ኣብቶም ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብዝተሰርሐ ጥንኩር ምቁፅፃር ምንቅስቓስ ኮንትሮባንድ ልዑል ውፅኢት ክምዝገብ ከምዝተኽኣለ ተሓቢሩ፡፡
ምስ ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ተመሳሳልቲ ኣዋርሕ እንትነፃፀር 39 ሚኢታዊ ዓቕሚ ምቁፅፃር ኮንትሮባንድ ከምዝወሰኸ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።
ልዑል ውፅኢት ንኽምዝገብ ፃዕሪ ንዝገበሩ ኣካላት ምስጋና ምቕራቡ እውን ካብ ሚኒስቴር እቶት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…
ይግበሩ/ራ!