Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፕሮግራም ስልጠና ስፔሻሊቲ ሕክምና ልቢ ህፃናት ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጥዕናን ኮንጂኒታል ሀርት ኣካዳሚን ኣብ ፕሮግራም ስልጠና ስፔሻሊቲ ሕክምና ልቢ ህፃናት ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም፡፡

እቲ ሰነድ ስምምዕነት÷ ሓገዝ ኣካዳሚክ ኣገልግሎት ስፔሻሊቲ ሕክምና ልቢ ህፃናት ዝህቡ ሰብ ሞያን ዓቕሚ ንምድንፋዕ ከምኡ እውን ኣገልገሎት ሕክምና ልቢ ህፃናት ንምምሕያሽ ሓገዝ ከምዝገብር ተሓቢሩ፡፡

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ÷ እቲ ስምምዕነት ኩለመዳይን ቀፃሊን መርሃ ግብሪ ሕክምና ልቢ ንምርግጋፅ ከምኡ እውን ሞያዊ ዕቤት ብልምዲን ስልጠናን ብምምሕያሽ ፕሮግራም ሕክምና ልቢ ዕዉት ንኽኸውን ከምዝሕግዝ ኣብሪሀን።

ኣካቢ ኮንጄኔታል ሀርት ኣካዳሚ ፕሮፌሰር አጋቲ ሳልቫቶሬ ብግደኦም÷ እቲ ምትሕብባር ኣብ ሕክምና ልቢ ህፃናት ዓቕሚ ንምድንፋዕ ዕድል ከምዝፈጥር ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.