Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍቲኔት  ለውጢ ንክመፅእ ብምትሕብባር ምስራሕ ይግባእ – ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍቲኔት  ለውጢ ንክመፅእ ብምትሕብባር ምስራሕ ይግባእ ክብላ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ ገሊፀን።

ካብ ተሓጋዝነት ናብ ኣፍራይነት ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ልምዓታዊ ሴፍቲኔትን ፕሮጀክት ስራሕን ከተማ ናይ 2016 ዓ.ም ትልሚ ኣፈፃፅማ ገምጋም መድረኽ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ፕሮጀክት ካብ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ መበል ካልኣይ ናይ ፕሮጀክት ምዕራፍ ኣብ 88 ከተማታት ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ናብራ ንዝርከቡ ልዕሊ 1 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዜጋታት ብቐጥታ ደገፍን ብፍሉይ ደገፍን ተረባሕቲ ምግባሩ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣብ ስራሕ ዕድል መናእሰይ ልምምድን ኣብ እዋን ሓደጋ ምላሽ ከምኡውን ኣብ ከባቢ ልምዓት ስራሕቲ ንክሳተፉ ካብቲ ፕሮጀክት ተረባሕቲ ንክኾኑ ይገብር ከምዝርከብ እተን ሚኒስትር ገሊፀን።

ብቤዛዊት ከበደ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.