Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ብራዚል ሉላ ዳ ሲልቫ ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ብራዚል ዝተኻየደ ፕሬዚዳንታዊ ነረፃ ቅድሚ ሕዚ ነታ ሃገር ዝመርሑ ሉላ ዳ ሲልቫ ኣብ ስልጣን ንዝነበሩ ዣዬ ቦልሶናሮ ብምስዓር ተዓዊቶም።

ኣብ መወዳእታ ኣወሃህባ ድምፂ ሉላ ዳ ሲልቫ 50 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ድምፂ ብምርካብ ክዕቱ ክኢሎም።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2018 ዝተኻየደ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ÷ ሉላ ዳ ሲልቫ ብገበን ግዕዝይና ተኸሲሶም ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ ስለዝኾኑ እንተይተወዳደሩ ተሪፎም ኢዮም።

ናይዚ ዓመት መረፃ ጥንኩር ንሕንሕ ዝተገበረሉን ወጥሪ ዝዓሰሎን ጎስጓስ ዘተኣናገደ ኢዩ።

ኣብ እዋን ጎስጓስ መረፃ ኣብ ሞንጎ ዜጋታት ዝተርኣየ ምክፍፋል ቀልጢፉ ከምዘይሃድእ እውን ይግመት።

ፍልፍል፦ ቢቢሲን ኣልጀዚራን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.