Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሃድያ ሆሳእና ንመቐለ 70 እንደርታ ብምስዓር ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ 2017 ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ተጀሚሩ፡፡

ቀትሪ ሰዓት 10 ኣብ ዝተኻየደ መኽፈቲ ፀወታ÷ ጋንታ ሃድያ ሆሳእና ንጋንታ መቐለ 70 እንደርታ 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ፡፡

ሃድያ ሆሳእና  ዝተዓወተትላ ብሕታዊት ሸቶ ሄኖክ ኣርፍጮ ብፍፁም ቅላዕ ኣመዝጊቡዋ፡፡

መርሃ ግብሪ እቲ ሊግ እንትቕፅል ምሸት ሰዓት 1 ጋንታ ኣርባ ምንጭ ከተማ ምስ ጋንታ ድሬዳዋ ከተማ ክራኸባ ኢየን፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.