Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፓኪስታን ኣብ ልዕሊ መመላለሲ ህዝቢ ኣውቶብስ ብዘጋጠመ ሓደጋ ህይወት 37 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፓኪስታን ኣብ ክልተ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣብ ልዕሊ መመላለሲ ህዝቢ ኣውቶብስ ብዘጋጠመ ሓደጋ ህይወት 37 ሰባት እንትሓልፍ ብዙሓት ከምዝተጎድኡ ተገሊፁ።

ሓንቲ ኣውቶብስ 70 ሰባት ኣሳፊራ ካብ ኢራን ተበጊሳ ፑንጃብ ናብ ዝተብሃለ ግዝኣት ፓኪስታን እናተጓዓዘት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብዘጋጠመ ሓደጋ ህይወት ሰብ ዝቐጠፈ ጉድኣት ከምዘተኣናገደት ተሓቢሩ፡፡

በቲ ሓደጋ 11 ሰባት እንትሞቱ ልዕሊ 35 ድማ ጉድኣት ኣጋጢሙዎም፡፡

እታ ካልአይቲ ኣውቶብስ ድማ 35 ሰባትኣሳፊራ እንትትጓዓዝ ናብ ጉድጓድ ከምዝኣተወት ዝተገለፀ እንትኸውን በቲ ሓደጋ ብውሑዱ 26 ሰባት ህይወቶም እንትሓልፍ ሰለስተ ሰባት ተጎዲኦም፡፡

ኣብ ክልቲኦም ቦታታት ዘጋጠመ ሓደጋ መበገሲ ምኽንያቶም ብዕሊ ከምዘይተፈለጠ ቢዝነስ ስታንዳርድ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.