Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ይርጋለም ምስ ዘልምዑ ዘለዉን ሓደሽቲ ሰብ ሃፍቲን ዘተ ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ይርጋለም ምስ ዘልምዑ ዘለዉን ሓደሽቲ ሰብ ሃፍቲን ዘተ ኢንቨስትመንት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይግበር ኣሎ።

እቲ መድረኽ፥ ኮርፖሬሽን ፓርክታት ኢንዱስትሪ ሲዳማ ምስ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪን ዩኒዶን ብምትሕብባር ዝተዳለወ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ደስታ ሌዳሞ፣ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል፣ ሓለፍቲ ስራሕ ባንኪ ልምዓት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራለን ክልልን ተረኺቦም።

ኣይተ ደስታ ሌዳሞ፥ መሰረተ ልምዓት ተማሊኡ መልማዕቲ ሰብ ሃፍቲ ይፅበይ ኣብ ዘሎ እቲ ፓርክ ሓደሽቲ ሰብ ሃፍቲ አንተኣቲዮም ውፅኢታዊ ክኾኑ ኢዮም ኢሎም።

እቲ ክልል እውን ነቲ ፓርክ ኣድላዪ ደገፍ ብምግባር ቁርፀኛታት ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም።

ብየሻምበል ምህረት

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.