Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዘሎ ምንቅስቓስ ዝበረታታዕ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዘሎ ምንቅስቓስ ዝበረታታዕ ምዃኑ ካውንስለራት ንግዲ ወፃኢ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ጉጅለ ካውንስለራት ንግዲ ወፃኢ ኣሜሪካ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳ ዘሎ ምንቅስቓስ ስራሕ ዑደት ገይሮም።

እቶም ካውንስለራት ምስ ምቁራፅ ዕድል ተረባሕነት ኣጎዋ ተተሓሒዙ ኣብ ዘጋጠሙ ማሕለኻታት በቲ ፓርክ ምስ ዝሰርሑ ሰብ ሃፍቲ ተዛቲዮም፡፡

እቲ ፓርክ ልዕሊ 22 ዓለም ለኸ ሰብ ሃፍቲ ኢንቨስት ብምግባር ልዕሊ 27 ሺሕ ንዝኾኑ ዜጋታት ቀዋሚን ግዜያዊን ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠሩ ካብ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia #industrialparksdevelopmentcorporation #america #AGOA

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.