Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ተሳትፎ ሰብ ሃፍቲ ቻይና ከብ ዘብሉ ሪፎርምታት ከምዝተገበሩ ተሓቢሩ

 ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ተሳትፎ ሰብ ሃፍቲ ቻይና ከብ ዘብሉ ሪፎርምታት ከምዝተገበሩ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ፍስሃ ይታገሱ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሳለጥ ዘሎ ዓመታዊ ፎረም ቢዝነስ ኢትዮ-ቻይና ብምርካብ እቶም ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ከምዝበልዎ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከቡ ፓርክታት ኢንዱስትሪን ናፃ ቀጣና ንግዲን ተሳትፎ ሰብ ሃፍቲ ቻይና ልዑል ኢዩ ኢሎም።

እቲ ዘሎ ተሳትፎ ብዝበለፀ ክብ ንምባል ዘኽእሉ ትካላዊ ሪፎርምታት ተግባራዊ ከምዝተገበሩ እውን ሓቢሮም።

ፎረም ቢዝነስ ኢትዮ-ቻይና ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ዓውዲ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ዘለወን ርክብ ንምጥንኻር ዝዓለመ ከምዝኾነ አወነ ሓቢሮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.