ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ብዝተፈጠረ ምትእስሳር ዕዳጋ ልዕሊ 300 ሺሕ ሓረስቶት ተረባሕቲ ምግባር ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፤ 24 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣብ ዘለዉ ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ብዝተፈጠረ ምትእስሳር ዕዳጋ ልዕሊ 300 ሺሕ ሓረስቶት ተረባሕቲ ምግባር ከምዝተኽኣለ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ገሊፁ።
ሓላፊ መምርሒ ማርኬቲንግን ኮሙኒኬሽንን እቲ ኮርፖሬሽን ዘመን ጁነዲን፥ እቶም ሓረስቶት ኣብ ውሽጢ እቲ ፓርኪታት ንዘለወየ ኣፍሪየቲ ፍሪያቶም ብምቕራብ ሰፊሕን ዘላቒን ምትእስሳር ብምፍጣር ተረባሕቲ ክኾኑ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።
እቶም ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ነባራዊ ኩነታት እቲ ከባቢ ኣብ ግምት ዘእተዉ ስራሕቲ ኣብ ምስራሕ ከምዝርከቡ ሓቢሮም።
ኣብዚ ሐዚ እዋን 11 ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ስራሕ ከምዘለዉ ገሊፆም።
ፓርክ ኢንዱስትሪ መቐለ ድማ ናብ ስራሕ ንምእታው ዘኽእሉ ተግባራት ይፍፀሙ ከምዘለዉ ምዝራቦም ካብቲ ኮርፖሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።