Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ምቹውን ዘተኣማምንን ዕድል ስራሕ ምፍጣር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዝጠመተ ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ምቹውን ዘተኣማምንን ዕድል ስራሕ ምፍጣር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዝጠመተ ዘተ ተኻይዱ፡፡

ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል ምስ ኮሚሽነር ኢንቨስትመንት ለሊሴ ነሜ ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳያት ዘቲየን፡፡

ኣብ ዘተአን ድማ ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ፅሬት ዘለዎ፣ ምቹውን ዘተኣማንን ዕድል ስራሕ ምፍጣር፤ ጠለብ ኢንዱስትሪ ዘማእኸለ ልምዓት ክእለት፣ ናይ ስራሕ ቦታ ምቹውን ሰሓቢን ምግባር፣ ድሕንነት ሞያን ጥዕናን፣ ባህሊ ስራሕ ኢንዱስትሪ ከምኡ እውን ጥዑይ ርክብ መስርሒን ሰራተሕኛን ምፍጣርን ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ቀፃልነት ዘለዎን ዝተናበበን ስራሕ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣብ ምርድዳእ ከምዝበፅሓ ተገሊፁ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.