Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፍሉይ ወረዳ ኣሌ ብዘጋጠመ ሓደጋ ተሸከርካሪ ህይወት 8 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ፍሉይ ወረዳ ኣሌ ብዘጋጠመ ሓደጋ ተሸከርካሪ ህይወት ሸሞንተ ሰባት እንትሓልፍ 14 ሰባት ድማ ቀሊልን ከቢድን ጉድኣት ኣካል ከምዝጋጠሞም ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ኣዛዚ ፖሊስ እቲ ወረዳ ዋና ሳጅን ደመቀ ደምሴ ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ሓደጋ መበገሲኣ ካብ ኣርባምንጭ ናብከተማ ጅማ እናተጓዓዘት ዝነበረት መመላለሲት ህዝቢ ኣውቶቢስ ኣብቲ ወረዳ ጣቢያ ቀርቀርተ ፍሉይ ሽሙ ላንጋኖ ኣብ ዝበሃል ከባቢ እንትበፅሕ ብምግልባጣ ኢዩ።

ቁፅሪ ሰሌዳ ኮድ 3-03348 ደሕ ኣብ ዝኾነት ኣውቶቡስ እናተጓዓዙ ካብ ሞንጎ ዝነበሩ 45 መገደኛታት በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ 8 ሰባት ህይዎቶም ከምዝሓለፈ ዝገለፁ እቶም ዋና ኣዛዚ፥ 6 ሰባት ከቢድ ጉድኣት ኣካል እንተጋጥሞም 8 ሰባት ድማ ቀሊል ናይ ምቑሳል ሓደጋ በፂሑዎም።

መበገሲ ምኽንያት እቲ ሓደጋ ፀገም ቴክኒክ እታ ተሸከርካሪት ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.