Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፊሊፒንስ ብዘጋጠመ ጋህሲ መሬት 81 ሰባት ህይወቶም እንትሓልፍ 25 ዜጋታት ኣበይ ከምዝኣተዉ ኣይተፈለጠን

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰሜን ምዕራብ ፊሊፒንስ ከቢድ ዝናብ ዘስዐቦ ጋህሲ መሬት 81 ሰባት ህይወቶም እንትሓልፍ 25 ዜጋታት ኣበይ ከምዝኣተዉ ኣይተፈለጠን ተባሂሉ፡፡

እቲ ሓደጋ ብዘይተለመደ መልክዑ ን24 ሰዓት ዝወቕዐ ከቢድ ዝናብ ስዒቡ ዘጋጠመ ከምዝኾነ ዝገለፁ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ፈርዲናንድ ማርከስ÷ ቁፅሪ መወትቲ ክውስኽ ከምዝኅእል ኣመልኪቶም፡፡

ልዕሊ 5 ሚሊየን ሰባት ግዳያት እቲ ሓደጋ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ብምግላፅ÷ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊየን ዜጋታት ኣብ ግዝያዊ መዕቖቢ ከምዝርከቡ ኣፍሊጦም፡፡

ምስቲ ሓደጋ ተተሓሒዙ ቁፅሪ ተጎዳእቲ ዝኸፍአ ከይኸውን ብዝብል መንግስቲ ኣብቲያተ ትምህርቲ ንሰለስተ መዓልቲ ክዕፀዋ ከምዝወሰነ ሲ ጂቲኤን ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.