Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፈተናታት ተቓላዓይነት ኣፍሪካ ዝጠመተ ኮንፈረንስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፈተናታት ተቓላዓይነትን ዓለም ለኸ ተወዳዳራይነትን ኣፍሪካ ዝጠመተ ኮንፈረንስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ኮንፈረንሰ፥ “ኣፍሪካ ተቓላዓይነት ፈተናታት፤ ኣብ ዓለም ለኸ ውድድር ዘለዉ ዕድላት ምርግጋፅ” በዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ተመራመርቲን ሙያተኛታትን ጉዳያት ኣፍሪካ መበገሲ ተቓላዓይነት ፈተናን መፍትሒታትን ኣፍሪካ ከምኡውን ኣብ ዓለም ለኸ ውድድር ዘለዉ ዕድላት ምጥቃም ኣብ ዘኽእሉ ኩነታት ዝጠመተ መዛተዪ ፅሑፍ ከቕርቡ ኢዮም።

ቀጠናዊ ሰላምን ደሕንነትን፣ ኣፍሪካ ግዕዝይናን ኣምባገነንነትን ብምቅላስ ዘጋጥምዋ ዘለዉ ፈተናታት፣ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣፍሪካን ወዘተ ዝጠመቱ መፅናዕታዊ ፅሑፋት አወን ክቐርቡ ኢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.