Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፅዋዕ ኣውሮፓ ጀርመን ምስ ስዊዘርላንድ ከምኡ እውን ስኮትላንድ ምስ ሃንጋሪ ፀወተአን ከካይዳ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 17 ውድድር ፅዋዕ ኣውሮፓ ጀርመን ምስ ስዊዘርላንድ ከምኡ እውን ስኮትላንድ ምስ ሃንጋሪ ናይ መወዳእታ ምድብ ፀወተአን ከካይዳ ኢየን።

ኣሰናዳኢት ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ምስ ስዊዘርላንድ መዘነኣ ትገብሮ ፀወታ ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ስታዲየም ፍራንክፈርት ኣሬና ክካየድ ኢዩ፡፡

ክልቲኡ ናይ ምድብ ፀወታ ዝተዓወተት ጀርመን ናይ ዘይምስዓር ክብራ ንምሕላው ናብ ሜዳ ትኣቱ እንትትከውን÷ ስዊዘርላንድ ብግደኣ ኣብቲ ምድብ 1ይቲ ንምዃን ወይ እውን 2ይ ደረጃኣ ሓሊያ ንምሕላፍ ብርቱዕ ንሕንሕ ከምትገብር ትፅቢት ይግበር፡፡

ብተመሳሳሊ ስኮትላንድ ምስ ሃንጋሪ ዝገብረኦ ፀወታ ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ስታዲየም ስቱትጋር ኤም ኤች ፒ ኣሬና ክከየድ ኢዩ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.