Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፅባሕ ለውጢ ንኸተማታት ፍሉይ ተዋሂቡ ኢዩ – ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሴክተር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኣፈፃፅማ ትልሚ በጀት መንፈቕ ዓመት ኣብ ከተማ ሃረር ይካየድ ኣሎ።

ሚኒስትር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኢንጂነር ኣይሻ ኣሕመድ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበለኦ፥ ካብ ፅባሕ ለውጢ ንኸተማታት ፍሉይ ተዋሂቡ ኢዩ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ከተማታት ንነበርተን ምቹዋትን ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎትን ቅልጡፍን ንምግባር ስራሕቲ እናሰርሑ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ዝሓዘቶ ጉዕዞ ብልፅግና ንምዕዋት ምትሕብባር መዳርግቲ ኣካላት ኣድላዪ ከምዝኾነ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኦድሪን በድሪ ብግደኦም፥ ከተማታት ዝግበአን ትኹረት እንተይረኸባ ብምፅነሐን ነባሪ ተጠቃሚ እንተይኮና ቀሪየን ኢየን ኢሎም፡፡

ሎሚ መዓልቲ ምክያድ ዝጀመረ እቲ መድረኽ ክሳብ ፅባሕ ክቕፅል ኢዩ፡፡

ብእዮናዳብ ኣንዱዓለም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.