Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፅሬትን ተወዳዳራይነትን ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ዝጠመተ ፓናል ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፅሬትን ተወዳዳራይነትን ፍርያታት ኢንዱስትሪ ዝጠመተ ፓናል ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷ ሚኒስትር ዴኤታ ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን እንዳለው መኮንን፣ ሚኒስትር ዴኤታ ኢንዱስትር ታረቀኝ ቡሉልታ ሓዊሱ ምሁራን እቲ ዓውዲን መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም፡፡

ኣይተ እንዳለው መኮንን÷ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ተወዳደርቲን ፅሬቱ ዝሓለወን ፍርያት ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ቅድሚት ትኹረት ክህቡሉ ዝግባእ ተግባር ምዃኑ ኣልዒሎም፡፡

ብፍላይ ኣብ ተካእቲ ፍርያታት ዝዋፈሩ ኢንዱስትሪታት ብመንፅር ፅሬት ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ዘሎ ነባራዊ ኩነታ ክግንዘቡ ከምዝግባእ ተዛሪቦም፡፡

ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ስራሕ ከምዝጅምሩን ዘለዎም ዓቕሚ ንኸጎልብቱ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ሓቢሮም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.