Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ፅዋዕ ኣፍሪካ ናይጄሪያ ምስ ደቡብ ኣፍሪካ ከምኡ እውን ኮትዲቯር ምስ ዴሞክራቲክ ኮንጎ ክራኸባ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ መበል 34 ኣብ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ፅዋዕ ኣፍሪካ ናይጄሪያ ምስ ደቡብ ኣፍሪካ ከምኡ እውን ኮትዲቯር ምስ ዴሞክራቲክ ኮንጎ ሎሚ ምሸት ክራኸባ ኢየን።

ናይጄሪያ ምስ ደቡብ ኣፍሪካ ንፍፃመ ንምሕላፍ ዝገብረኦ ፀወታ ምሸት 2 ሰዓት ኣብ ስታድ ዲ ላ ፔይክስ ኣቢጃን ክካየድ ኢዩ፡፡

ክልቲአን ሃገራዊ ጋንታታት ኣብ ታሪኽ ፍርቂ ፍፃመ ን4ይ ግዘ ዝተራኸባ እንትኾና÷ ዝሓለፉ ሰለስተ ፀወታታት ፍርቂ ፍፃመ ባዓወት ሃገራዊት ጋንታ ናይጄሪያ ዝተዛዘሙ ኢዮም፡፡

ኣብ ታሪኽ ውድድር ፅዋዕ ኣፍሪካ ሃገራዊት ጋንታ ናይጄሪያ 15 ግዘ ናብ ፍርቂ ፍፃመ ብምብፃሕ ቀዳመይቲ እንትትከውን÷ ሃገራዊት ጋንታ ደቡብ ኣፍሪካ (ባፋና ባፋና) ድማ ኣርባዕተ ግዘ ጥራሕ ኢያ ክትበፅሕ ክኢላ፡፡

ብተመሳሳሊ አሰናዳኢት ሃገር ኮትዲቯር ምስ ዴሞክራቲክ ኮንጎ ዝገብረኦ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ምሸት ሰዓት 5 ኣብ ስታዲየም ኣላሳን ኦታራ ከካይዳ ኢየን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.