Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጭና ንፁሃን ዝተጨፈጨፉሉ 1ይ ዓመት ተዘኪሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ጭና ንፁሃን ብግፍዒ ዝጨፍጨፈሉ 1ይ ዓመት ተዘኪሩ፡፡

ኣብቲ መዓልቲ ዝኽሪ÷ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቀል ከፋለ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣመራርሓታት ሰራዊት ምክልኻልን ተረኺቦም፡፡

ዶክተር ይልቃል ኣብቲ መዓልቲ ዝኽሪ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ÷ ፈተነ ወራር ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝፈሸለሉን ሕቑኡ ዝተወቕዐሉን ኣብ ጭና ከምዝኾነ ብምዝኽኻር፤ ኣብቲ ቦታ ንሃገር መስዋእተነት ዝኸፈሉ ዜጋታት ምሕሳብ ግቡእ ብምዃኑ ክኽበር ከምዝኸኣለ ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብቲ እዋን ተሳዒሩ ይመለስ እምበር ንሳልሳይ እዋን ኣብቲ ክልል ኢሉ እውን ኣብታ ሃገር ወራር ከምዝጀመረን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክምክቶ ከምዝግባእን ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቃልሲ እቲ እዋን ዘርኢ መዝሙር ተሰናዲኡ በቶም ርእሰ ምምሕዳር ዝተመረቐ እንትኸውን÷ ዝተኸፈለ መስዋእቲ ዘርኢ ዓውደ ምርኢት ፎቶ እውን ቀሪቡ፡፡

ብኤልያስ ኣንሙት

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.