Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጥቓ መስመር ኤሌክትሪክ ዝርከቡ ኣእዋም ናይ ምቑራፅ ስራሕ ምቁርራፅ ሓይሊ ንምካይ ዝግበር ፃዕሪ ሓደ ኣካል ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ መስመር ኤሌክትሪክ ኣብ ሰለስተ ሜትሮ ርሕቐት ዝርከቡ ኣእዋም ናይ ምቑራፅ ስራሕ ምቁርራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምካይ ዝግበር ፃዕሪ ሓደ ኣካል ከምዝኾነ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ትካል ሓይሊ ምቁርራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምንካይ ኢሉ እውን ንምትራፍ ሓፂርን ማእኸላይን ትልሚ ብምስንዳእ ናብ ተግባር ከምዝኣተወ ገሊፆም።

ተኸላ ፈልሲታት፣ ገዛ፣ ሓፁር፣ ህንፃን ህንፀታት መገዲን ኣብ መሰረተ ልምዓት ኤሌክትሪክ ዝተቐመጠ ሕጊ ስታንዳርድ ርሕቐት ሓሊዮም ዘይምስላጦም ንምቁርራፅ ቀንዲ መበገሲታት ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ምቁርራፅ ሓይሊ ብግዚያዊነት ንምንካይ ስራሕቲ መመሓየሺን ፅገናን እናተወገነ ከምዝኾነ ዝገለፀ እቲ ትካል÷ ኣብዚ ሰሙን ብብርኪ ሃገር እናተወገነ ዝርከብ ኣብ ሰለስተ ሜትሮ ርሕቐት መስመር ኤሌክትሪክ ዝርከቡ ኣእዋም ናይ ምቑራፅን ቅድመ ፅገናን ናይዚ ኣካል ከምዝኸነ ኣብሪሁ፡፡

ብኻእ መዳይ ምቁርራፅ ሓይሊ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዘኽእሉ ዳግመ ህንፀት ኔትወርክን መመሓየሺ ስራሕቲን ብብርኪ ሃገር ኣብ ዋና ዋና መስመራት እናተወገኑ ከምዝኾኑ ኣመልኪቶም፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.