Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጣልያንን ፈረንሳይን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ንዝተመዛበሉ ወገናት ደገፍ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጣልያንን ፈረንሳይን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ንዝተመዛበሉ ወገናት ደገፍ ገይሮም።

እቶም ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ጎንፂ ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ዝውዕል ደገፍ ልዕሊ 20 ሺሕ ዩሮ ንኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጣሊያን ኣረኪቦም።

እቲ ኤምባሲ ንዝተገበረ ደገፍ አመስጊኑ።

ዘተኣኻኸቦ ገንዘብ፣ ናውቲታት ሕክምናን ኣምቡላንስን ናብ ኢትዮጵያ ከምዝለኣኸ ድማ እቲ ኤምባሲ ኣፍሊጡ።

እቲ ደገፍ ብሚኒስቴር ጥዕና ኣቢሉ ነቶም ወገናት ከምዝከፋፈል ተሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ከባቢ ፈረንሳይ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብ መዓስከር ደብረ ብርሃን ንዝርከቡ 1 ሺሕ ወገናት ደገፍ ምግባሮም ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብተወሳኺ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ጉድኣት ንዘጋጠሞ ሆስፒታል ኮምቦልቻ 6 ሺሕ ዩሮ ግምት ዘለዎም መድሓኒታትን ናውቲታት ሕክምናን ደገፍ ከምዝተገበረ ኣብ ኤምባሲ ፈረንሳይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.